ኣስተምህሮ ኣባላት ሰዲህኤ
2026-05-09 19:41:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 35 timesብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ9 ጉንበት 2026 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣብዚ ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ዝሰርዖ መድረኽ፡ ብጻይ መንግስተኣብ “ዝምድና ሃገርን መንግስትን ኣመዓባብለኦም” ብዝብልን ተዛመድቲ ዛዕባታትን እዩ ኣስተምህሮ ሂቡ።
ኣብ ኣስተምህሮኡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ሃገርን መንግስትን ብታሪኻዊ ተረኽቦታት ኣሰንዩ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ብዛዕባ ቅድሚ ምምጻእ ደርባዊ ምፍልልያት ዝነበረ ኩነታት ሕብረተሰብ ዝገለጸ መንግስተኣብ፡ በብግዜኡ ሃገራት ኮነ መንግስታት እናማዕበሉ ዝመጽሎም ደረጃታት እውን ብኣብነታት ብምስናይ ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ናይ በርሊን ኮንፈረንስ 1884 ኣፍሪቃ ንምክፍፋል ወሲኖም ዝተንቀሳቐስዎን ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ካብቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ዘካየድኦ ቃልስን ጠቒሱ።
ሃይማኖታት እውን ኣብ ዕቤት ሃገርነትን መንግስትነትን ዝነበሮም ተጽዕኖታት ዝገለጸ መንግስተኣብ፡ ብዛዕባ ሃገራት ኣብዘሓ ብሄራትን እንኮ ብሄርን ኣብሪሁ። ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ዝተፈላለዩ ናይ ምምሕዳርን ምምራሕን ባህርያት ዝነበሮም ስርዓተ-መንግስታት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ብኣህጉራዊ ሕግታት ናብ ዘይግዛእ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ዘኽብርን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥን ሓደገኛ ናይ ሓያላትን ሃብታማትን ስርዓት ትወድቕ ከም ዘላ ዘርእዩ ምልክታት ብሰፊሑ ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ መግለጺ ብጽሞና ድሕሪ ምስማዕ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣብ ምምላሶም ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ። ካብቶም ኣዛረብቲ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ “ዝወደቐ መንግስቲ” ዝብል ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብምዝማድ ዓሚቕ ምይይጥ ተኻይድሉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ዝማእከለን ቅዋማዊ ትካላት የለዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መንግስቲ ንቀጻልነቱ ዝግልገለለን ትካላት’ውን ህይወት ከም ዘየብለን ዘረድእ መብርሂ ተዋሂቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንከድምዕ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ኮይኑ ለውጢ ዝብህግ ዘሎ ናይቲ ለውጢ በዓል ቤት ህዝቢ ኤርትራ ክተኣሳሰር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ወሳኒ ምዃኑ ኣብቲ መድረኽ ተዘሪብሉ።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ናይ ምምዕባል ኣስተምህሮ ክቕጽል፡ ኣብ ኣባላት ሰዲህኤ ጥራይ ከይተደረተ ናብ ዝሰፍሐ መድረኽ ንክብርኽ ለበዋ ኣቕሪቦም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ዘተኣማምን ናይ ለውጢ ዓቕሚ ንምዃን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንክፍጠር ቀጻሊ ጻዕሪ ንክካየድ ጸዊዖም።