ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጓ
2026-06-13 08:56:03 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 56 timesኣጉስቲ ፓሲሊ ዝተባህለት፡ ጓል 30 ዓመት ወኪል ጋዜጣ ላክሮይክስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተሰጐት ኣስራሒኣ ትካል ዜና ኤኤፍፒ (
እቲ ዜና፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ ጋዜጠኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምድያቡ ንሓጺር ግዜ ተመሓይሹ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ግና ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ኣስፊሩ። እዛ ዝተስጐት ፈረንሳዊት ጋዜጠኛ፡ ካብ 2023 ጀሚራ ወኪል ላክሮይስ ካቶሊካዊት መዓልታዊት ጋዜጣ ኮይና ክትሰርሕ ምጽነሓን ናይ ምስጓጓ ምኽንያት ብንጹር ከምዘይተነግራን ናይታ ጋዜጣ ወጻኢ ጉዳያት ዳይረክተር ቶማስ ሆፍኑንግ ከም ዘፍለጠ እውን ተሓቢሩ።
ጋዜጠኛ ፓሲሊ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ወርሒ ሰነ 2026 ናብታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ክልል ትግራይ ተጓዒዛ ከም ዝነበረት ሓቢራ፡ እንተኾነ ብናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ መዲያታት ብህጹጽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተኣዘዘት ጠቒሳ።
ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመለሰት ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ከብ ዘለዎ ከባቢ ትግራይ ጸብጻብ ብምቕራባ ከም ዝተነቕፈት ሓቢራ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቐሶ ግና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ፈቓድ ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛ ናብ ዝኾነ ከባቢ ኢትዮጵያ ከይጐዓዝ ዝኽልክል እገዳ ከም ዘየለ ኣብሪሁ።