ሱዳንን ግብጽን ዘራኽብ መንገዲ ብተቓወምቲ ተዓጽዩ
2026-05-18 19:47:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 61 timesእቶም ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሱዳን ኣብሪ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ መንገዲ ክዓጽዉ ዝተሰለፉ።
ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ሱዳን ኣብሪ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ቦታ፡ ሱዳናውያን ነበርቲ ብሰንኪ ተኸታታሊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትርን ዋሕዲ ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ሓያል ተቓውሞ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ። እቶም ተቓወምቲ ደንጎላን ሓልፋን ዝተባህሉ ሱዳንን ግብጽን ዘራኽቡ ናይ ንግዲ መስመራት ከም ዝዓጸዉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ሓደ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተሳተፈ ናይቲ ከባቢ ነባሪ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ንሱዳንን ግብጽን ብመሬታ ዝራኽብ ንግዳዊ መስመር ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ብዙሓት መንእሰያት ከም ዝተሳተፉ ጠቒሱ። እዚ ብ17 ጉንበት 2026 ዝተራእየ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማዝያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ተመሳሳሊ ተበግሶ ምዃኑን ዕላምኡ ከኣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ምምሕዳር ሓይሊ ኤለክትሪክ ንከየቋርጹ ተጽዕኖ ንምሕዳር ምዃኑን ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰላማዊ ዝነበረ ኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ መጐዓዝያ ኣውተቡሳትን ናይ ግሊ ተሽከርከርትን ካብን ናብን ሱዳንን ግብጽን ክንቀሳቐሳ ክፈቅድ እንከሎ፡ ዓበይቲ ናይ መንግስቲ ንግዳዊ ንብረት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ግና ምኽልካሉ ተሓቢሩ። እቶም ተሳተፍቲ ሓለፍቲ ነቲ መስመር ብሓይሊ ንምኽፋት ከይፍትኑ ኣጠንቂቖም፡ እቲ ብቐጻሊ ከጋጥም ዝጸንሐ ዘይርትዓዊ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከይቅጽል ከኣ ኣተሓሳሲቦም።
እቲ ዜና ሱዳን ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ ምቖቱ ክሳብ 44 ዲግሪ ሴንትግሬድ ዝበጽሕ ማእከላይን ምብራቓውን ከባብታት ተደጋጋሚ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ የጋጥማ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ግብጺ ኣብ ዝተወሰኑ ሰሜናዊ ሱዳን ሓይሊ ኤለክትሪ ተቕርብ ክትከውን እንከላ፡ እዚ ከባቢ ካብቲ ካልእ ክፋላት ሱዳን ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።