ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ መዝነቱ ክናዋሕ መጸዋዕታ ቀሪቡ

2026-05-13 19:31:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 245 times

ኣስታት 31 ዘይመንግስታዊ ማሕበራት፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ሱዳናዊ  ዶር መሓመድ ዓብደልሰላም ባበከር መዝነቱ ክናወሓሉ፡ ብ12 ጉንበት 2026 ብዝጸሓፈኦ ደብዳበ ከም ዝጸወዓ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ መጸዋዕታ ናብ ቀወምቲ ኣባላትን ተዓዘብትን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ኣብቲ ካብ 15 ሰነ ክሳብ 10 ሓምለ 2026 ዝካየድ መበል 62 ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ፍሉይ ጠመተ ንክወሃቦ ብዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ መጸዋዕታ ናይተን ዘይመንግስታዊ ትካላት እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንቕጽል ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መበል 62 ጉባአ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ  ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ተሪር ውሳነ ንክውሰን ዘተሓሳሰበ ምዃኑ እውን እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

እተን ናይ ሓባር መጸዋዕታ ዘቕረባ ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኣቐዲመን ከተሓሳስባ ዝተገደዳ እቶም ነቲ ምንዋሕ ናይቲ ፍሉይ ልኡኽ ዝድግፉ ወገናት ዲፕሎማሲያዊ ስራሕ ዘካይድሉ እኹል ግዜ ንክረኽቡ ብዝብል ምዃኑ ጠቒሰን። እዚ መበል 62 ዓመታዊ  ኣኼባ፡ ድሕሪ 25 ዓመት ማእሰርቲ ጉጅለ 15ን 10ይ ዓመት ንኤርትራ ዝምልከት ሰብኣዊ ጸብጻባት ምቕራብ ዝጀመረሉን ስለ ዝኾነ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዘድልዮ እውን ጠቒሰን።

ኣብ ርእሲዚ እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ለውጢ ተቓለስቲ ዝካየድ ዘሎ “ስግረዶባዊ ጸቕጢ” እውን ኣብቲ መጻኢ ዓመታዊ ጉባአ ሰብኣዊ መሰል ክዝረበሉ በተን ማሕበራት መጸዋዕታ ምቕራቡ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝቐረበ መጸዋዕታ ኣብ ኤርትራ ይፍጸሙ ካብ ዘለዉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ነቶም ቀንዲቀንዲ ኣብቲ መጸዋዕታ ኣስፊሩ’ሎ።

Last modified on Wednesday, 13 May 2026 21:39